Prophet Life Tigrinya | ናይ ራሱል (ስ . ዐ . ው) ስራ

Life of Prophet Mohammed Tigrinya Language | ናይ ራሱል (ስ . ዐ . ው) ስራ

Life of Prophet Mohammed in Tigrinya Language ናይ ራሱል (ስ . ዐ . ው) ስራ

Life of Prophet Mohammed in Tigrinya Language | ናይ ራሱል (ስ . ዐ . ው) ስራ


“In the name of Allah the Beneficent the Merciful”

“The more you know about Allah Mohammed Islam, the more you love them”


سيرة النبي صلى الله عليه وسلم  النيرة

ታሪኽ ናይ ነብይና ሙሓመድ (..) እቲ ዝበለጸ ታሪኽ: ዝጸረየ ታሪኽ: ኣብነታዊ ታሪኽ እዩ:: እቶም ኣመንቲ ነዚ ታሪኽ እዚ ክሰምዑ ኣብ መኣዱ ይእከቡ: ንኽመሃርዎን ንኽፈልጥዎን ይጽዕሩ: ይደገጋምዎ ድማ ምኽንያቱ ናይቶም ዝበለጹ ፍጡር ዝኾኑ ነብይ ስለዝኾነ: ንፍቶቶም ረቢ ዝኣዘዘ: ኣሰሮም ክንስዕብ ኣብ ቁርኣን ዝተሓበረ: ብሱና ናቶም ክንምራሕ ካብ ሰማይ ዝተኣወጀ ነብይ ስለዝኾኑ:: ረቢ (.) ኣብ ቁርኣን ኣብ ሱረተል-ኣሕዛብ ከምዚ ይብል:-
لَقَدْ كَانَ لَكُمْ فِي رَسُولِ اللَّهِ أُسْوَةٌ حَسَنَةٌ لِّمَن كَانَ يَرْجُو اللَّهَ وَالْيَوْمَ الآخِرَ وَذَكَرَ اللَّهَ كَثِيرًا


’’
ነቶም ኣብ ረብን ኣብ የውመልቅያማን ተስፋ ትገብሩ ሰባት ኣብቲ መልእኽተኛ ናይ ኣላህ ዝኾነ (ሙሓመድ) ዝበለጸ ኣብነት ኣለኩም’’ ይብል::

ክቡራት ሙስሊሚን የሕዋተይ!


ታሪኽ ሰይድና ሙሓመድ (..) ምስጢር ዘይብሉ ክፉት መጽሓፍ እዩ: ዝሕባእ ዘይብሉ ትሓንከሉ: ብኣንጻሩ ጻዕዳ ከም ሻሽ: ጽሩይ ከም ማይ ንግሆ: ብሉጽን መሳጥን: ሓደ ሰብ ኣብዚ ታሪኽ እዚ ከናሹን ከበላሽውን ኣይክእልን እዩ ብጀካ እቲ ነብሱ ንዘንቢ ዝዓደመቶ ጸላኢ እንተዘይኮይኑ:: ሰዓብቶም ብታሪኹ ተመሲጦም: ኣኽባር ናይቲ ዝፈትውዎ በጺሕዎም: ጠባያቶም: ስርሓቶም: ምእንቲ እስልምና ዘሕለፍዎ ጻዕሮም: ምእንቲ እዚ ዲን ዝኸፈልዎ ድኻምን ኩናትን ብሰፊሑ ተገሊጽሎም:: ምሒር ተገዳስነቶም ኣብዞም ክቡር ነብይ: ወለደኦም: ደቆም: ጠባያቶም: ምስ ደቂ-ሰባት ዝነበሮም ኣካይዳን ስነስርዓቶምን: ካብኡ ሓሊፎም ብደቂቑ ክሳብ መወጾም: ተወጢሖማ ዝኸዱ ዝነበሩ ገመሎም: ካብቲ ዝገርምን ዘደንጹን ከኣ ኣብ ጭሕሞም ክንደይ ዝኣክል ሲበት ኔርዎም ከይተረፈ ብደቒቕ ተገዲሶምሉን ሰኒደሞን: ሰለዋቲ ረቢ ወሰላሙሁ ዓለይህ::


ዘጋጠመ ኩሉ ዓብይ ይኹን ንእሽተይ: ዝተዛረብዋ ዘረባን ብኣካል ዘተግበርዋ ስራሕን ብጥንቃቐን ብተገዳስነትን የሕሊፎምልና: ንምንታይ?? ምኽንያቱ ነቲ ረቢ ኣብ ቁርኣን ዘኪርዎ ዘሎ ሓቂ ክውን ክኸውን ምእንቲ:- ورفعنا لك ذكرك ’’ስምካ ሓፍ ኣቢልናዮ ኢናኢልዎም::

ኣብ ታሪኽ ናይ ዓለምና: ብዙሓት መራሕቲ: ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት: ብዙሓት ህቡባትን ነጋውስን ሓሊፎም እዮም: እንተኾነ ገለ ክፋል ናይ ሂወቶም ተዘንትዩ እቲ ዝበዝሕ ዝተረሰዐ እዩ:: ናይ ነብይና ሙሓመድ (..) ግና ዓቢኡን ንእሽትኡን ቅንጣብ ከይገደፉ ብዝርዝር ሰሓባ ኣዘንትዮም ኣብጺሖምልና: ጸሓፍቲ ሰኒዶምልና: ይዝከሩ ኔሮም: ይዝከሩ ኣለው: ክሳብ መዓልቲ ቅያማ ድማ ክዝከሩ ክነብሩ እዮም:: እንታይ ዓይነት መግብን መስተን ይፈትው ኔሮም: ከመይ ጌሮም ይሕጸቡ ኔሮም: ውዱኦምን ተየሙምኦምን እንታይ ይመስል: ከመይ ኔሮም ኣብ ግዜ ሕማሞምን ጥዕነኦምን: ኣብ ግዜ ኩናትን ሰላምን: ከመይ ኔሩ ሰብኣዊ ርክባቶም ምስ ኣንስቶምን የዕሩኽቶምን: ብኸመይ ይካየዱ ኔሮም ምስ ጎረባብቶምን ጸላእቶምን: ብኸመይ እስላማዊት ሃገር የመሓድሩን የካይዱን ነይሮም: ምስ ነጋውስ እንታይ ዓይነት ደብዳቤታትን ዲብፕሎማስያዊ ርክባትን ይገብሩ ነይሮም ኩሉ ብዝርዝር ተመዝጊቡ::

 
ረሱል (..) ሰብ እዮም ኔሮም ዘይከም ካልእ ሰብ: ብዋሕይ ዝተደገፉ ነብይ እዮም ኔሮም:: ተግባራቶምን ስርሖምን ኩሉ ንኣብነት: ዘረበኦምን ማዕድኦምን ድማ ኩሉ ንትምህርቲ እዩ::


ዝኸበርኩም ሙእሚኒን!


ታሪኽ ናይ ረሱል (..) ናይ ግድን ክፍለጥ ዘለዎ ታሪኽ እዩ: እንታይ እዩ መለለይ ናይ ነብይ: ከመይ ኔሩ ኩነታት ናይ ነብይ ምፍላጥ ነቲ ዘለካ ፍቶትን ፍቕርን ናይ ረሱል ብዝያዳ ንኽውስኽ: እዞም ነብይ እዚኦን ናትካ ምኻኖም ዝያዳ ንኽትኮርዕ: ልብኻ ብዕጽፊ ናብኦም ክንጥልጠል: ክብረትካን ዋሕስካን ምኻኖም ክትርዳእ: ክብረት ኣቦኻን ኣዴኻን ምኻኖን ክትግንዘብ ዝሕግዝ ስለዝኾነ:: ወላሂ ንሶም እንተዘይነብሩ ኔሮም ኣብ ድቕድቕ ጸላም ምነብና ኔርና: ብዘይከኦም ኣብ ሃው ዝበለ ጥፍኣት ምተዓዘርና ኔርና: ብዘይ ብኦኦም ኼር ካብ ሸር: ሓቂ ካብ ሓሶት: ቅኑዕ ካብ ጌጋ ክንፈሊ ኣይምኸኣልናን ኔርና: ግና ኣልሓምዱሊላህ ሳልኦም ብርሃን ረኺብና: ሳልኦም ነቲ ሓቀኛ ረብና ፈሊጥና: ሳልኦም ካብ ጥፍኣትን ጸልማትን ተገላጊልና: ሰለዋቱ ረቢ ወሰላሙሁ ዓለይህ:: ረቢ (.) ንነብይና ሙሓመድ ብርሃን ከምዝኾኑ: እቲ ሒዘሞ ዝመጹ ቁርኣን ድማ ንጹርን ብሩህን ሙኻኑ ክገልጽ እንከሎ ኣብ ቁርኣን ከምዚ ይብል:-

قَدْ جَاءَكُمْ مِنَ اللَّهِ نُورٌ وَكِتَابٌ مُبِينٌ

ክቡራት ሙስሊሚን ቀጺሉ ዝስዕብ ሕቶ: ብኸመይ ነዚ ክቡር ታሪኽ እዚ ክንመሃሮ ኣለና ዝብል እዩ: ብኸመይ ኣንቢብና ብትሕዝትኡ ንጥቀመሉ ዝብል እዩ:: እቲ መልሲ እምበኣር: እቲ ቀንዲ ምንጪ ታሪኽ ናይ ረሱል ቁርኣን እዩ: እቲ ብቕድሚኡ ኮነ ብድሕሪኡ ጌጋ ኮነ ሓሶት ዘይርከቦ መጽሓፍ: እቲ ቅኑዕ ትምህቲ ሰማይ ዝምግብ ኪታብ ቁርኣን እዩ:-


لا يَأْتِيهِ الْبَاطِلُ مِن بَيْنِ يَدَيْهِ وَلا مِنْ خَلْفِهِ تَنزِيلٌ مِّنْ حَكِيمٍ حَمِيدٍ 

ረቢ (.) ልቦም ከፊቱ: ስሞም ሓፍ ኣቢሉ ኩሉ ዘንቦም ናይ ዝሓለፈን ናይ ዝመጽእን ከም ዝሓጸበሎም: ልቦም ቀጥ ኣቢሉ ኣብ ሓቂ ደው ከምዘበሎም: ዳዕዋ ምስ ጀመሩ ዘጋጦምም ፈተነታት: ቁረይሽ ናይ መካ ክጻብእዎም: ብሓሶት ክጥቅንዎም: ክብድልዎምን ከከላብትዎምን: መበቆል ዓዶም ገዲፎም ናብ መዲና ክሃጅሩ እንከለው: ኣንጻር ሙሽሪኪን ዝተሳተፍዎ ከቢድ ናይ ኩናት ፍጻሜታት ከም በዓል በድር: ኡሑድን ኣሕዛብን: ታሪኽ ናይቶም ሙናፊቒንን ብኸመይ ምስኦም ይካየዱ ከምዝነበሩን: እዚ ኩሉን ካልእን ኣብ ቁርኣን ኢና ንረኽቦ::

*
ኣንታ ታሪኽ (ሲራ) ናይ ነብይና ሙሓመድ ክትፈልጥ ትደልይ: ሓደራኻ ብቑርኣን:: ቅርኣዮ: ትርግሙ ተመሃሮ: ትሕዝትኡ ተረደኣዮ: መልእኽቱ ወሓጦ: ቁርኣን ዝቕረኣሉ ቦታ ምኻድ ኣዘውትር ምእንቲ ምስ ነብይኻ ክትፋለጥን ታሪኹ ክትሓፍዝን:: ብድሕሪ ቁርኣን: እቲ ድሒሩ ዝመጽእ መወከሲ ሱና (ቅኑዕ ሓዲስ) ናይ ረሱል (..) እዩ:: ብዙሕ ክፋላት ዝሓዘ ሰነዳት ናይ ሲራ ክንውከስ ይግበኣና:: መጻሕፍቲ ናይ ሱና ብሰፊሑ ተኣምራት ናይ ረሱል: ጠባያቶም: መዓልታዊ ፍጻሜታቶም ብዝርዝር ንረኽቦ:: ብድሕሪ እዚ ኪታብ ናይ ሲራ ምጽናዕ ይከኣል::


ከምቲ ኩላትና ንፈልጦን: ከምቲ ረቢውን ኣብ ቁርኣን ዘረጋገጾ:- ’’ንኹሉ ነብይ ጸላኢ ኣለዎ’’: ጸላእቲ እስልምና: ከሓድትን ጽልኦም ዝገንፈሎም ሰባት ከምዘለው ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና:: ንሳቶም ንሓቂ ጠምዚዞም: ንጻዕዳ ጸሊም ኢሎም: ነብሶም ብዝኣዘዘቶምን ዊንታኦም ብዝመረሖምን ነቲ ታሪኽ ክብውዙ ጽዒሮም: ሓንጎል ሰብ ክሓጽቡ ተበጊሶም: ንኣማኒ ከጠራጥሩ ዓጢቖም: ንሰብ ኣብ ሓቂ ከይጸንዕ ዕንቅፋት ኮይኖም: ንሓቂ ክብክሉ ከይደቀሱ ሓዲሮም:: እቲ ዘሐጉስ ግን ረቢ (.) ንረሱል ኣብ ቁርኣን ከምዚ ክብል ቃል ኣትይሎም:-
وَاللَّهُ يَعْصِمُكَ مِنَ النَّاسِ

 ’’ረቢ ባዕሉ ካብ ሰባት ክሕልወካ እዩ!’’:: እዚ ሓለዋ እዚ ኣልሓምዱሊላህ ክሳብ ሕጂን ንብድሕር ሕጅን ጸኒዑ ዝቕጽል መብጽዓ ናይ ረቢ እዩ::

ካብቶም ዝኸሓዱ ነዞም ክቡር ነብይና ሙሓመድ (..) ክብድሉ ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ ቀለሞም ኣልዒሎም ጽሒፎም: ብድፍረት ስኢሎምን ጸሪፎምን:: ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ከምዚ ዓይነት ነገር ምስ ኣጋጠመ: እቶም ብፍቕሪ ናይ ረሱል (..) ልቦም ዝነደደ ሙስሊሚን ናይ ዓለም ተቖጢዖም: ሰለማዊ ሰልፊ ክገብሩ ናብ ጎደናታት ወጺኦም: ነቲ ተግባር ድማ ብትሪ ኮንኖም:: ኣብ ሓደ እዋን'ውን መራሒ ቫቲካን ብዛዕባ ረሱል (..) ኣመልኪቱ: ''ሙሓመድ ብሰላም ዘይኮነ ብሰይፍን: ንምፍሳስ ደምን እዩ መጺኡ'' ምስ በለ ግቡእ መልሲ ተዋሂብዎ:: ጸላእቲ ናይ እስልምና ጽልኦም: ቅርሕንቶምን ውዲቶምን ከገንፍሉ ጸኒሖምን ኣለውን:: ነዚ ኣመልኪቱ ረቢ (.): 

قدْ بَدَتِ الْبَغْضَاءُ مِنْ أَفْوَاهِهِمْ وَمَا تُخْفِي صُدُورُهُمْ أَكْبَرُ قَدْ بَيَّنَّا لَكُمُ الآيَاتِ إِنْ كُنْتُمْ تَعْقِلُونَ

'' ድሮ ካብ ኣፎም ጽልኦም ኣፍሊጦም እዮም: ልቦም ዝዓቕሮ ግን ዝዓበየ (ዝገደደ እዩ)'' ይብል::


ኣብ ዝሓለፈ ውሑዳት ሳምንታት: ሰራሕተኛታት ናይ ሓደ ማዕከን መጽሔት ዝኾኑ ኣብ ፈረንሳ ተቐቲሎም:: እታ መጽሔት ብቐጻሊ ኮነ ኢላ ንነብይ ሙሓመድ ዘነኣእስን ዘጸልምን ናይ ካሪካቴር ስእሊ ተውጽእ ዝነበረት እያ:: እዚ ነገር ምስ ኣጋጠመ: ዓለም ብዓለማ ተነቓኒቓ: መራሕቲ ብዙሓት ሃገራት ዝተሳተፈኦ ሰልፊ ተኻይዱ: ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖታትን ተኻፊለነኦ:: እዚ ኩሉ ሸበድበድ ሓሳብካ ብነጻ ምግላጽ ክትንከፍ ዘይብሉ ክብሪ እዩ ንምባልን: ዝደለየ ሰብ ዝደለዮ ክዛረብ ናጽነት ኣለዎ ዝብል ጻውዒት ንምምሕልላፍ እዩ:: እንተኾነ እዛ መጽሔት እዚኣ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ብዛዕባ ፍሉጣት ፈረንሳውያን ዘቃልዕ ትሕዝቶ ዘለዎ ምስ ዘርገሐት: ሓደ ግዜ ንኽትዕጾ ጻውዒት ቀሪቡ: ኣብ ካልእ ግዜ ድማ ብዛዕባ መንነት መራሒ ፈረንሳ ነበርን ሓቀኛ መቦቆሉ ካበይ ምኻኑን ምስ ጸሓፈት: ሰልፊ ወጺኦም ብወግዒ እቕሬታ ክትሓትት ኣገዲዶማ:: ነብይና (..) ምስ ተጸርፉ ግና: መሰል ሓሳብካ ምግላጽ እንድዩ ተባሂሉ ተዘረቢሉ: ንየሁድን ንዕኦም ዝትንክፍ እንተተጻሒፉን ተሳኢሉን ግና ኣይፍቀድ ጥራይ ዘይኮነ: ዘይትንከፍ ዓሌትነት ተንኪፍካ ንስኻ ዓሌታዊ ኢኻ ተባሂልካ ትግረፍ: እቕሬታ እንተዘይሓቲትካ ካብ ስራሕ ትባረር:: ክብሪ ሃይማኖትን ክብሪ እስልምናን ክትንከፍ እንከሎ ግና ኣይግድን: ኣበይ ኣሎ እቲ ፍትሒ? ንሶም ዘይደልይዎ ክትንከፍ እንከሎ ደረት ይገበረሉ ይብሉ: እቲ ንሶም ዝጸልእዎ ክንትንከፍ እንከሎ ግና የተባብዕዎን ይከላኸልሉን::


ምስዚ ኩሉ ጽልእን ቅርሕንትን ግና: እስልምና ከም ሮማዲ የስፋሕፍሕ: ሰዓብቱ ይበዝሑን ይዓብዩን ኣለው:: ከምቲ ብርሃን ንጸላም ሰንጢቑ ዝጎልሕ: እስልምና ድማ ይጎልሕን ይኹላዕን ኣሎ:: ብዙሓት ሰባት መን እዩ እዚ ሙሓመድ ዝበሃል (..): ስለምንታይ ክንድዚ ፍቶትን ፍቕርን ብሰዓብቱ? ከመይ ስለዝኾነ እዩ ኢሎም ታሪኹ ምስ ኣንበቡ: ልቦም ተመሲጡ: ባህርያቱ: ተግባሩን ስነ-ስርዓቱን: መሪሕነቱን ፍትሑን: ሓቅነቱን ነብይነቱን ምስ በረሃሎም: ልቢም ተማሪኹ: ንእስልምና ኢዶም ሂቦም እስልምና ክኸውን መንገዶም መሪጾም::

 ከምቲ ረቢ (.) ኣብ ቁርኣን: ''ንኽፋእኩም መሲልኩም ትጸልእዎ: ግና መጸበቒኹም ክኸውን ይኽእል እዩ'' ዝበሎ: ንረሱል (..) ከጸልሙን ከኽፍኡን ዓጢቖም: እንተኾነ ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ ፈሊጦም ስዒበሞ: በቲ ሒዝዎ ዝመጸ ናይ እስልምና ብርሃን ተመሪሖም ሰላም ረኺቦም:: 

ከምቲ ኩሉ ግዜ ንሰምዖ እስልምና መዓልታዊ የስፋሕፍሕ ኣሎ: ኣብ ሓደ ሓደ ስታቲስቲካዊ ጸብጻባት: ኣብ ኤውሮፓ ጥራይ ኣብ ሓጺር ግዜ በጻሕቲ ዝሰኣና: ማዕጾኦን ዝኹሕኩሐን ዝሰኣና ቤተ-ክርስትያናት ክዕጸዋ እንከልዋ: መሳጊዳት ንሰዓብቲ ከኣንግዳ ይኽፈታ'ለዋ:: ገሊኦም ሃይማኖት ገዲፎም ንክሕደት ክመርጹ እንከልው: ገሊኦም ድማ ብርሃን እስልምና ተቐቢሎም ናብ እስልምና ስለዝተጸንበሩ እዮም:: እስልምና ብናህሪ ክውንጨፍ እንከሎ: ብሓይሊ ሰዓብቱ ኣይኮነ: ብደገፍን ምወላን ሃገራት'ውን ኣይኮነ: እንታይደኣ: ነቲ ረቢ ዝኣተዎ ቃል ክውን ንክኸውን ምእንቲ ደኣ'ምበር:-

هو الذي أرسل رسوله بالهدى ودين الحق ليظهره على الدين كله ولو كره المشركون


''
ንሱ (ኣላህ) እዩ ነቲ መልእኽተኛ (ሙሓመድ) ብመሪሒነትን ብሓቀኛ ሃይማኖትን ዝለኣኾ: ኣብ ልዕል ኩሉ ሃይማኖታት ድማ ጸብለል ንኸብሎ ምእንቲ: ወላ' እቶም ሽርክነት ምስ ኣላህ ዝገብሩ እንተጸልእዎ'' ይብል::

 
ክቡራት ሙስልሚን የሕዋተይ: ግድነት ይኾነና ታሪኽ ናይ ነብይና ክንፈልጦን ክንርድኦን: ክንግደሰሉን ግዜ ክንህቦን: ደጋጊምካ ክትቀርኦ ልብኻ ብርሃን ዝውስኽ: እናሻዕ ክትፈልጦ ኣፍልብኻ ዝኸፍት: ተስፋ ንዝቖረጸ ተስፋ ዝህብ: ኣንፈቱ ዝጠፍኦ መንገዲ ዘትሕዝ: ኣብ ሂወቱ ስነስርዓት ዝሰኣነ ኣገባብ ዝምህር: ኮታስ ንኹሉ ናይ ሂወት ሕቶኻ ግቡእ መልሲ ዝህብ ስለዝኾነ ሓደራና ብታሪኽ ናይ ነብይና ንገደስ:: 

ኣብ መወዳእታ ንረሱል ከነዐውቶም እንተደሊና: ኣሰሮም ንስዓብ: ንዕኦም ንከተል::


ዲንና ፈሊጥና ብዲንና ንሕበን ይግበረና: ታሪኽ ናይ ረሱል ድማ ኣብ ልብና የሕድረልና::


ኣሜን!!


Life of Prophet Mohammed info Tigrinya Language | ናይ ራሱል (ስ . ዐ . ው) ስራ


Appeal:

thank you for reading, being a Muslim it is must to spread saying of prophet (peace be upon him) to each and every one for which will be rewarded both in this world and life hereafter.


Post a Comment

0 Comments